Skip to main content

ሓበሬታን ኣገልግሎትን ናይ ሓደገኛ ዝኾኑ ጎሓፍ ምጉሓፍ

አብ ኪንግ ካውንቲ እትሰርሑ ወይ እትነብሩ እንተዳኣ ኮይንኩም፣ ውሑስ ኣገባባት ምጉሓፍ ረሳሓትን ከምኡ'ውን ተፈላለዩ ቐረብ ምንጪታት ንዓኹምን ንከባቢኩምን ንክከላኸለልኩምን ካብ ንሓደጋ ዘቓልሑ ኬሚካላት ኣወጋግዳ ምችው ኣማራፂታት ንህብ ኢና።

ብዛዕባና

ንኣከባቢታት ኪንግ ካውንቲ ካብ ሓደገኛ ዝኾኑ ነገራት ምስናዕ፣ ምጥቓም ምኽዛንን ምጉሓፍን ንከስዕብዎ ዝኽእሉ ሓደገኛ ጉድኣት ብናይ ሓደገኛ ዝኾኑ ጎሓፋት ምጉሕፍ ፕሮግራማት ጎዳእቲ ዝኾኑ ሳዕቤናት ብምቕናስ ናይ ህዝቢ ጥዕና ይከላኸልን ይሕሉን። ንመላእ ኪንግ ካውንቲ ከተማ ስያትልን፣ ንካልኦት 37 ከተማታትን፣ ክልተ ብሄራትን፣ ብሓደ ኣካል ንዝተወደቡ ቦታታትን ኣገልግሎት እነቐርብ ኣውራጃዊ መጻምድቲ ኢና።

ልሙዳት ሓደገኛ ፍርያት

አብ ጥቕሚ ዘይዋዓሉ፣ አረጊት፣ ወይ ዘየድልዩ ሓደገኛታት ምህርቲ ንምኽዛን ሓደገኛታት ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። እዞም ሓደገኛታት ነገራት እዚኦም ኣብ ጎሓፍ ምድርባይ ወይ ኣብ ናይ ክሽነ ወይ ሽቃቅ ላቫንዲኖ ምፍሳስ፣ ንደቂ ሰባትን ነቲ ከባቢን ክጎድኡ ይኽእሉ እዮም።ሓድገኛታት ነገትራ በቲ ተጻሒፉ ዘሎ ምልክት ኣንቢብኩም ክትፈልጥዎ ትኽልእሉ። እዞም ሓደገኛታት ነገራት ከም danger (ሓደጋ)፡ poison (መርዛም)፣ warning (መፈራርሕ)፣ caution (መጠንቀቕታ); ዝኣመሰሉ ቓላት ወይ ድማ ምልክታት ኣለዎም።

3 ዉሕሳት ዝኾኑ ኣገባባት ጎሓፍ ምጉሓፍ

  • ነዞም ነገራት ኣክብዎም

    እዞም ሓደገኛታት ነገራት ከም danger (ሓደጋ)፣ poison(መርዛም)፣warning (መፈራርሕ)፣caution(መጠንቀቅታ) ፣ ዝኣመሰሉ ቓላት ወይ ድማ ምልክታት ኣለዎም።

    እቶም ንቅበሎም ነገራት እዚኦም እዮም።    [link to what to bring flyer]
  • ንኣጎሓሕፋ ምቅርራብ

    ነዞም ነገራት አብቲ ናይ መጀመርያ ኮንተይነራት ብምቕማጥ፣ ምልክት ዘይተገበረሎም አቁሑት ምልክት ምግባርን ነቶም ነገራት አብ ዘይፈስሉ ቦታ ብምቕማጥ ንከይፈሱን ንከይባላሸዉን ምግባር ኣብ መኪና ዝኾነ ኣቕሓ ካብ ሰፈር ተጓዓዛይ ኣርሕቕ ኣቢልኩም ኣቐምጡ።
  • አውርድዎ

    ነቲ አቁሑትኩም ናብቲ ኣገልግሎት መወገኒ ቦታ ኣምጽእዎ። እዚ ኣገልግሎት ብናይ ክፍሊት መብራህትን ማይን ዝሽፈን ስለዝኾነ ዳግም ክትኸፍሉ ኣይየድልየኩምን እዩ።

አብ ከባቢኹም ናይ ጎሓፍ ቦታ ርኸቡ

Location Address Hours
North Seattle
 

12550 Stone Avenue North, Seattle, WA 98133

ሰሉስ – ሰንበት
9:00 ቅ.ቀ – 5:00 ድ.ቀ

ሓምለ 4፣ ዕለተ-ምስጋና (ታንክስ ጊቪን)፣ ዕለት ልደት፣ ከምኡ እውን ዕለት ሓዱሽ ዓመት ዕጽው እዩ።

South Seattle

8100 2nd Avenue South, Seattle, WA 98108

ሓሙስ – ቀዳም
9:00 ቅ.ቀ – 5:00 ድ.ቀ

ኣብ ጥቓ እቲ መደበር መሰጋገሪ ዝርከብ።
ሓምለ 4፣ ዕለተ-ምስጋና (ታንክስ ጊቪን)፣ ዕለት ልደት፣ ከምኡ እውን ዕለት ሓዱሽ ዓመት ዕጽው እዩ።

Factoria

13800 Southeast 32nd Street, Bellevue, WA 98005

ሰሉስ - ዓርቢ፣ ቀዳምን ሰንበትን
8 ቅ.ቀ. - 4 ድ.ቀ. (ሰሉስ - ዓርቢ) ፣ 9 ቅ.ቀ. - 5 ድ.ቀ. (ቀዳም-ሰንበት)

ፋክቶርያ ዝተባህለ ቦታ ኣብቲ መደበር መሰጋገሪ እዩ ዝርከብ። ዕለተ-ምስጋና (ታንክስ ጊቪን)፣ ዕለት ልደት፣ ከምኡ እውን ዕለት ሓዱሽ ዓመት ዕጽው እዩ።

Auburn

1101 Outlet Collection Way, Auburn, WA 98001

ቀዳም - ሰንበት
10 ቅ.ቀ - 5 ድ.ቀ

እቲ ኣውበርን ዝተባለ ተንቃሳቓሲ መእለዪ ጎሓፍ ዓመት ሙልእ፣ ቀዳምን ሰንበትን ክፉት እዩ። ናይ ነበልባል ባሕሪ ኣብዚ ቦታ ተቐባልነት የብሉን።
እዚ ቦታ ካብ 30 ሕዳር፡ 1 ታሕሳስ፡ ካብ 28-29 ታሕሳስ ዕጹው እዩ።

Wastemobile – ተንቀሳቓሲ መእከቢ ኣገልግሎት ንሓደገኛ ጎሓፍ

እዚኣ ናይ ነጻ ተንቃሳቓሲት ጎሓፍ መአከቢት ኮይና ኣብ ዝተወሰኑ ወገናት ኪንግ ካውንቲ ብሙዛር ንዝተፈላለዩ ተቐመጥትን ንኣሽቱ ትካላትን ሓደገኛ ጎሓፎም ክወስድሉ ዝኽእሉ ምቹእ ቐረብ ቦታ ትፈጥረሎም።

መዓስ ተንቃሳቓሲ መእለዪ ጎሓፍ፣ ናትና ተንቀሳቓሲ ኣገልግሎት ምውሳድን ምብጻሕን ሓደገኛ ጎሓፍ ናብ ገዛውትኩም ከም ትመጽእ ፍለጡ፣ ኣብ ጥቓኹም ዘሎ ማሕበረ-ሰብ ብጽሑ።  [link WMB schedule]

 

ናይ ገዛ መእከቢ መደብ

65 ዓመት ወይ ድማ ካብኡ ንላዕሊ፣ ወይ አካል ስንኩል ድዮም? መጓዓዝያ መኪና እንተ ዘይብልኩም ወይ ኣብቲ ጎሓፍ ዝእከበሉ ቦታ ክትመጹ እንተ ዘይኪልኩም፣ ድዊልኩም ንገሩና፣ መጺና ካብ ገዛኩም ክንወስዶ ንኽእል ኢና። እቲ ናይ ገዛ መኣከቢ ፕሮግራም ብናይ ክፍሊት መብራህትን ማይን ስለዝሽፈን ዳግም ክትኸፍሉ ኣይየድልየኩምን እዩ።

አብ ኪንግ ካውንቲ ናይ ንግዲ ስራሕ አለኩም’ዶ?

ከም መጠን ስራሕ ንግዲ፣ ርስሓትኩም አብ ዝግባእ ቦታ ብምቕማጥ ገዛእ ርእስኹምን፣ ከባቢኹምን ወይ ድማ ነቲ ሕብረተ-ሰብ ካብ እቲ ሓደጋ ናይ ምክልኻል ሓላፍነት አለኩም። ብቑዓት ናይ ንግዲ ትካላት ሓደገኛ ጎሓፍ ብከመይ ከም ዘወግዱ ብነፃ ክንሕግዝ ንኽእል ኢና። ናይ ሳይት ምኽሪ አገልግሎት፣ ምኽሪታትን ናይ ገንዘብ አታሓሕዛ መማሓየሺ ምኽሪታት እውን ንህብ ኢና። እዞም ኣገልግሎታት እዚኦም ብናይ ክፍሊት መብራህትን ማይን ስለዝሽፈን ዳግም ክትኸፍሉ ኣይየድልየኩምን እዩ።

ተወሳኺ ምንጭታት ኣብዚ ርኸቡ።

expand_less